![]() |
ብዛዕባ
መራኸቢ ብዙሓን
ናይ ኣብ ስደት
ዝነብሩ
|
![]() |
|
ኣነ፡
ዶ/ር ኤማ ስቱዋርት
ይብሃል፡ ኣብ
ስትራክላይድ
ዩኒቨርሲቲ (ዓባይ-ብሪጣንያ)፡
ኣብ ክፍሊ
ጀኦግራፊን
ሶሺዮሎጂን ከኣ
መምህር እየ። ብዛዕባ ኣጠቓቕማ
ኢንተርነትን፡
ሕድሕዳዊ
መራኸቢታት ናይ ኣብ
ስደት ዘለዉ
ኤርትራውያንን
ብዝምልከት ክኣ
መጽናዕቲ የካይድ
ኣለኹ። እዚ መጽናዕቲዚ ካብ
ዝኾነ ይኹን
ወገናዊነት ናጻ
እዩ። ምስ ዝኾነት
መርበብ-ሓበሬታ
ትኹን፡ ፖለቲካዊ
ወይ ሃይማኖታዊ
ጉጅለታት ወላሓንቲ
ርክብ ከምዘይብሉ
ከረጋግጸኩም
እፈቱ። እዚ ውጥንዚ፡
ስትራክላይድ
ዩኒቨርሲቲ ብዝገበሮ ናይ
ገንዘብ ኣበርክቶ
እዩ ዝካየድ ዘሎ። ኣብዚ ታሕቲ ከኣ፡ ነዚ ናይ መጽናዕቲ ውጥንዚን፡ ነቲ ብመንገዲ ኢንተርነት ዝምለስ መጠይቕን ዝምልከት ሓፈሻዊ ሓበረታ ኣለኩም።
እንታይ ? እዚ መጽናዕቲዚ፡
ነዞም ዝስዕቡ
ሕቶታት ክምልስ
ክፍትንዩ፤ l
ኣብ ስደት
ዝነብሩ
ኤርትራውያን፡
ኢንተርነት ንኸመይ
ወይ ንምንታይ
ይጥቐሙሉ (ኣብነት፡
ንስነ-ቑጠባ፡
ንማሕበራዊ፡
ባህላኣዊ፡ ወዘተ) ? l
ኣብ ኣጠቓቕማ
ኢንተርነት፡ ኣብ
ሞንጎ ኣብ ስደት
ዘለዉ ኤርትራውያን
ክሳብ ክንደይ
ፍልልይ ኣሎ (ኣብነት፡
ብጾታ/ዕድመ/ደረጃ
ትምህርቲ/ዜግነት፡
ወዘተ) ? l
ናይ ኣብ ስደት
ዘለዉ ኤርትራውያን
ሕድሕዳዊ ርክባት፡
ምስ ናይቶም ኣብ
ውሽጢ ኤርትራ
ዝነብሩ ብኸመይ
ይነጻጸር ? l
ብመንገዲ
ኢንተርነት ይኹን
ካብኡ ወጻኢ ዝግበሩ
ንጥፈታትከ፡ ንናይ
ሃገራውን ዞባውን
ናይ ፖለቲካ
መስርሓት ብኸመይ
ይጸልዉ ? መን ? ነዚ መጽናዕቲዚ
ዘካይድ ኣነ፡ ኤማ
ስቱዋርት፡ ኣብ
ስትራክላይድ
ዩኒቨርሲቲ (ዓ.ብ.)
ኣብ ክፍሊ
ጀኦግራፊን
ሶሺዮሎጂን መምህር
እየ። ምኣስ ? እዚ መጽናዕቲዚ፡
ኣብ ማዝያ 2007
መረዳእታታት
ምእካብ ክጅምርዩ።
ክሳብ ታሕሳስ 2008 ድማ
ስርሑ ክቕጽልዩ።
|